У нас вы можете посмотреть бесплатно ልብኻ ዝትንክፍ ምህለላ ኣዴታት или скачать в максимальном доступном качестве, которое было загружено на ютуб. Для скачивания выберите вариант из формы ниже:
Если кнопки скачивания не
загрузились
НАЖМИТЕ ЗДЕСЬ или обновите страницу
Если возникают проблемы со скачиванием, пожалуйста напишите в поддержку по адресу внизу
страницы.
Спасибо за использование сервиса savevideohd.ru
24/10/2022 [ 1ይ ጢሞቴዎስ 2 ] 1 እምበኣር ቅድሚ ዅሉ ምህለላ፥ ጸሎት፥ ምምላድ፥ ምስጋና፥ ምእንቲ ዅሉ ሰብ ኪግበር እምዕድ ኣሎኹ። 2 ብመንፈሳውነትን ብኽብርን፥ ህዱእን ሰላማውን ዝኾነ ሕይወትን ምእንቲ ኽንነብር ከኣ ምእንቲ ዅሎም ነገሥታትን ሰብ ሥልጣንን ጸሎት ይገበር። 3 እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ መድኃኒና ዝኾነ ኣምላኽ ሠናይን ዜሐጕስን እዩ። 4 ንሱ፥ ኵሉ ሰብ ኪድኅንን ናብ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን እዩ ዚፈቱ። 5 ኣምላኽ ሓደ እዩ፥ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ መተዓረቒ ድማ ሓደ እዩ፥ ንሱ ኸኣ እቲ ሰብ ዝኾነ ክርስቶስ ኢየሱስ እዩ። 6 ንሱ ኣብ ክንዲ ዅሉ ሰብ ገዛእ ርእሱ በጃ ኣኅሊፉ ሃበ፥ እዚ ኸኣ ጊዜኡ ምስ በጽሐ፥ ኣምላኽ ኵሉ ኺድኅን ከም ዚደሊ ምስክር እዩ። 7 ኣነ ኸኣ ነሕዛብ ሓቅን እምነትን ምእንቲ ኽምህር (ሓቂ እዛረብ ኣሎኹ፥ ኣይሕሱን እየ) ሰባኽን ሓዋርያን ኮይነ ተሸምኩ። 8 ኵሎም ሰብኡት ካብ ባእስን ክትዕን ርሒቖም፥ ኣብ ኵሉ ስፍራ ቅዱሳን ኣእዳው ኣልዒሎም ኪጽልዩ እደሊ ኣሎኹ። 9 ከምኡውን ኣንስቲ፥ ርእስን ብምቝናን ወይ ብወርቂ ወይ ብዕንቍ ወይ ብኽቡር ዝዋግኡ ኽዳውንቲ ምግያጽ ዘይኮነ፥ ግቡእን ትሕትና ዜርእን ክዳን ይከደና። 10 ከምቲ ነተን መንፈሳውያን ኣንስቲ ዚግባእ ብሠናይ ግብሪ ኪስለማ እደሊ ኣሎኹ።