Русские видео

Сейчас в тренде

Иностранные видео


Скачать с ютуб ምስጢረ ስጋዌ ብ ዲያቆን የማነብራሃን orthodox Tewahade eritrea в хорошем качестве

ምስጢረ ስጋዌ ብ ዲያቆን የማነብራሃን orthodox Tewahade eritrea 4 года назад


Если кнопки скачивания не загрузились НАЖМИТЕ ЗДЕСЬ или обновите страницу
Если возникают проблемы со скачиванием, пожалуйста напишите в поддержку по адресу внизу страницы.
Спасибо за использование сервиса savevideohd.ru



ምስጢረ ስጋዌ ብ ዲያቆን የማነብራሃን orthodox Tewahade eritrea

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ እዚ channel እዚ ሕግን ስራዓትን ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሓልዩ ዝኸይድ ኢዩ። ኣብዚ channel ዝዝርጋሕ ወደባት ኣእማደ ምስጢር፡ ካብ ምስጢረ ስላሴ ክሳብ ምስጢረ ትንሳኤ ምውታን፡ታሪኽ ገዳማትና፡ታሪኽ ቅዱሳን ገድሊ ናይ ቅዱሳን ፡ናይ ዕለት ስብከት ፡ከምኡ ውን ንዓናንን ንደቅና ጸሎት ዘዘውት ካብ በስመኣብ ክሳብ ጸሎተ እግዝእትነ ማርያም ፡ብግእዝን ብቋንቋ (germen) ሕዝናልኩም ክንመጽእ ኢና፡፡ ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ፍቅሪ ኣምላክ ሕብረት መንፈስ ቅዱስ ምስ ኩሉና ይኹን ኣሜን ሕቶ፡ ክንደይ ኣእማደ ምሥጢር ኣለዉ፧ መልሲ፡ ሓሙሽተ(5) ሕቶ፡ ሓሙሽተ ምዃኖም ኣረዳኣኒ፧ መልሲ፡ 1ይ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ምዕራፍ 14.19 ፡ ኣብ ቤተክርስቲያን ግና፥ ንኻልኦት ምእንቲ ኽምህር፡ ብቛንቛታት እልፊ ቃላት ካብ ዝዛረብ ሓሙሽተ (5) ቃላት ብኣእምሮ ኽዛረብ እፈቱ። ሕቶ፡ መነመን ከ ይባሃሉ፧ መልሲ (1ይ) ምሥጢረ ሥላሴ (2ይ)ምሥጢረ ሥጋዌ (3ይ)ምሥጢረጥምቀት (4ይ) ምሥጢረ ቊርባን (5ይ)ምሥጢረ ትንሳኤ ምውታን 2ይ ምስጢረ ስጋዌ፡ ሕቶ፡ ምስጢረ ስጋዌ ከመይ እዩ፧ መልሲ፡ፈጣሪ ንኣዳምን ንሄዋንን ካብኣርባዓተ(4) ባሕርያት ስጋ፡ ካብ ሰለስተ(3) ባሕርየ ነፍስ ፈጢሩ ውልድነት ሂቡ ኣኽቢሩ ኣብ ገነት ኣቐመጦም። ሕቶ፡ ኣርባዓተ ባሕርያተ ስጋ ዝተባህሉ እንታይ ኢዮም ፧ መልሲ፡መሬት ፡ማይ፡ ነፋስ፡ሓዊ። ሕቶ ፡ሰለስተ ባሕርየ ነፍስ ዝተባህለ ኸ ፧ መልሲ፡ለባዊነት፡ነባብነት፡ሕያውነት። ዕጸ በለስ ኣይትብልዑ እንተ በላዕኩም ክትሞቱ ኢኹም በሎም። ኦሪትዘፍጥረት215-17።ሸውዓተ(7) ዓመት ትእዛዙ ሓሊዮም ነበሩ። ብድሕሪኡ ዲያብሎስ ብ ስጋ ከይሲ ተሰዊሩ ዕጸ በለስ ብልዑ ኢሉ ኣስሓቶም።ዕጸ በለስ በልዑ፡ካብ፡ ገነት ውጽኡ።ሚእቲ(100) ዓመት ንስሓ ኣትዮም በኸዩ።ፈጣሪ ፡ንስሓኦም ርእዩ ብ ሓሙሽተ መዓልትን ፈረቓን ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድሕነካ እየ በሎ።መጽሓፈ ቀሌምንጦስ ገጽ 13 ። 5 መዓልቲ ዝበሎ 5000 ዓመት እዩ ።ፈረቓ መዓልቲ ዝበሎ 500 ዓመት እዩ።5500 ዓመት ምስ ተወድኤ ሓንቲ ከይወሰኸ ሓንቲ ከየጒደለ፡ ብ 29 መጋቢት ብዘመነ ዮሓንስ ብዕለተ ሰንበት ብሰዓት ሰለስተ፡ ካብ እግዝእትነ ማርያም ካብ ስጋኣ ስጋ። ካብ ነፍሳ ነፍሲ ተዋሒዱ ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ኮነ፡ ኣምላክ ሰብ ኮነ፡ሰብ ኣምላክ ኮነ፡ ረቂቕ ግዙፍ ኮነ ፡ግዙፍ ረቂቕ ኮነ፡ ምሉእ ውሱን ኮነ፡ ውሱን ምሉእ ኮነ፡ ወልደ ኣብ ብመለኮቱ፡ ወልደ ማርያም ብትስብእቱ፡ ክልተ ልደት ብተዋህዶ ከበረ። ብተዋህዶ ንኣብ ናይ ባሕርይ ወዱ ኮነ። ሕቶ፡ መኣስከ ተወልደ ፧ መልሲ፡ብ29 ታህሳስ ብዘመነ ማቴዎስ ብዕለተ ሰሉስ ብ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ቤተ ልሔም ተወልደ። ወንገል ማቴዎስ 2፡1-2 ወንገል ሉቃስ 2፡ 1-7። ቅድሚ ዓለም (ምፍጣር) ካብ ኣብ ባህርይ ፡ ቅድሚ ዓለም ካብ ኣብ ብዘይ ኣደ ምላዱ ሓደ ልደት፡ ብ5500ን ዓመት ካብ ድንግል ማርያም ብዘይ ኣቦ ምላዱ፡ካልኣይ ልደት። ወልደ ኣብ ወልደማርያም፡ ክልተ ልደት ብተዋህዶ ከበረ። ንኣምን ክልኤተ ልደታተ ከመ ዝበለ ቅዱስ ባስልዮስ፡ ብክልተ ልደታት ነኣምን ኢሉ ኣሎ፡ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ ካብ ክልተ ባህርይ ሓደ ባህርይ፡ ኮይኑ ተዋሃደ ። ወንገል ዮሓንስ1፡14። ሕቶ፡ካብ ስላሴ ሓደ ሰብ ዝኾነ ስጋ ዝለበሰ መን ኢዪ፧ መልሲ፡እግዚኣብሔር ወልድ ኢዩ፡ ሕቶ፡እግዚኣብሔር ወልድ ምዃኑ እግዚኣብሔር ኣብን እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስን ዘይምዃኖም መን ምስክር ኣሎካ፧ መልሲ፡ማቴዎስ ወንጌላዊ ብእኡ ህልዊ ኮይነ ክምለኽን ክስገደለይን ዝፈትዎ ወደይ እዚ እዩ፡ንሱ ዚብለኩም ስምዑ ከም ዝበለ ወንገል ማቴዎስ 3፡17። ከምኡ ድማ ዮሓንስ ወንጌላዊ እቲ ቃል ስጋ ኮነ፡ኣባና እውን ሓደረ ነብኡ ሓደ ከም ምዃኑ ጒይትነቱ ርኤና ከም ዝበለ፡ ወንገል ዮሓንስ 1፡14። ሕቶ፡ ቅድሚ ዓለም ካብ ኣብ ብዘይ ኣደ ምላዱ ብምንታይ ይፍለጥ፧ መልሲ፡ብ5500 ዓመት ዝተወልደ ቃለ እግዚኣብሔር ወልድ፡ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ንዓና ካብ መርገምን፡ ካብ ፍዳን፡ካብ ዘላዓለማዊ ኲነኔን (ፍርዲ) ንምድሓን፡ ብ 5500 ዓመት ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወልደ። ብዘይካ ሓጢኣት ድማ ሰብ ዝገብሮ ዘበለ ኩሉ እናገበረ ዓበየ። ምእንታና ኪብል ውን ኩሉ ሕግታት ፈጸመ። ወንገል ሉቃስ 2፡52 ገላትያ 4፡4-7። ቀጺሉ ድማ ምእንታና መከራ ተቐበለ፡ተገርፈ፡ ተሰቕለ፡ሞተ፡ተቐብረ ። ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ ካብ ምዉታን ተፈልዩ ተንስአ። ወንገል ማቴዎስ12፡40 ማቴ 27፡27-36 ማቴ 28፡6-8። ብኣርባዓ መዓልቲ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ብየማን ኣቡኡ ተቐመጠ፡መላእክቲ ድማ ኣመስገንዎ፡ 1ይ መልእክቲ ጴጥሮስ 3፡18-22። ኣብ ልዕሊ ሕያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ፡ ዳሕራይ ጊዜ ድማ ብኽብርን፡ብምስጋናን ኪመጽእ እዩ ንመንግስቱ ድማ ፍጻሜ የብሉን፡ ትንቢት ዳንኤል 7፡13-15። ተፈጥሮ ስብነትካ ምርዳእ። ሕቶ፡ተፈጥሮኻ ካብ 22 ስነፍጥረት ኣየናይ እዩ፧ መልሲ፡ሰብ እየ። ሕቶ፡ ሰብ ማለት ከ እንታይ እዩ፧ መልሲ፡ሸውዓተባህርያት ዘለውዎ ማለት እዩ። ሕቶ፡እቶም ሸውዓተ ብህርያት ከ እንታይን ከመይን እዮም፧ መልሲ፡ ኣርባዓተ ናይ ስጋ ባህርያት፡ሰለስተ ድማ ናይ ነፍሲ ባህርያት እዮም። ሕቶ፡ኣርባዓተ ናይ ናይ ስጋ ብህርያት ኣዮኖት እዮም፧ መልሲ፡መሬት፡ማይ፡ንፋስ፡ሓዊ ኢዮም። ሕቶ፡ሰለስተ ባህርያት ናይ ነብስ ኸ፧ መልሲ፡ለባውነት ነባቢነት፡ሕያውነት እዩ። ሕቶ ፡ነዚኸ ምስክርዶ ኣሎካ፧ መልሲ ፡ቅዱስ ጎርጎርዮስ ገባሬ መንክራት፡ብናይ ተፈጥሮ ባህርዩ ሰብ ይበሃል ኢሉ ኣሎ። ምስጢረ ተዋህዶ ሃይማኖትካ ምስትውዓል። ሕቶ ፡ሃይማኖትካ እንታይ እዩ፧ መልሲ፧እግዚኣብሔር ወልድ ፡ክልተ ልደት ከምእተወልደ ምእማን እዩ።ካብ ድንግል ማርያም ብዘይ ኣቦ ብምውላዱ ኢዩ ገላትያ 4፡4። ሕቶ፡ ነዚኸ ምስክር ዶ ትረክብ፧ መልሲ፡ ሠለስቱ ምእት ቀዳማይ ልደት፡ብዳኅረዋይ ልደት ተፈልጠ፡ተረድአ ከም ዝበሉ። ወስብሐት ለእግዚኣሔር ወለ ወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ኩቡር ኣሜን

Comments