Русские видео

Сейчас в тренде

Иностранные видео


Скачать с ютуб ናይ ፈተናታትን ጸገማትን ጸሎት ባሃኢ (Tests & Difficulties - Bahá'í Prayer) в хорошем качестве

ናይ ፈተናታትን ጸገማትን ጸሎት ባሃኢ (Tests & Difficulties - Bahá'í Prayer) 2 месяца назад


Если кнопки скачивания не загрузились НАЖМИТЕ ЗДЕСЬ или обновите страницу
Если возникают проблемы со скачиванием, пожалуйста напишите в поддержку по адресу внизу страницы.
Спасибо за использование сервиса savevideohd.ru



ናይ ፈተናታትን ጸገማትን ጸሎት ባሃኢ (Tests & Difficulties - Bahá'í Prayer)

ናይ ፈተናታትን ጸገማትን ጸሎት ዎ ኣምላኽ፣ ኣምላኸይ፣ ብውህበትካን ልግስኻን ንሓዘነይ ኣርሕቕ፣ ንመሪር ትካዘይ ከኣ ብሌኣላዊነትካን ሓይልኻን ስጐጐለይ። ኣብ'ዚ ብኹሉ ሸነኽ ጓሂ ከቢቡኒ ዘሎ ጊዜ ገጸይ ናባኻ መሊሰ ትርእየኒ ኣሎኻ። ዎ ኣንታ ጐይታ ናይ ኩሉ ህላዌን፣ ንኹሉ ዝርኣይን ዘይርኣይን ነገራት ከኣ እተጽልልን፣ ከምኡ'ውን በቲ ንልብታትን ነፍሳትን ናይ ሰባት ዘህደአ ስምካን፣ በቶም ማዕበላት ናይ’ቲ ውቅያኖስ ምሕረትካን፣ ጸዳላት ናይ’ቲ ኮኾብ ቀትሪ ዝዀነ ውህበትካን፤ ምስ'ቶም፤ ገጾም ናባኻ ካብ ምቕናዕ ዝዀነ ይኹን ነገር ዘይከልከሎም ክትጽብጽበኒ እምሕጸነካ፡ ዎ ኣንታ ጐይታ ናይ ኩሉ ኣስማትን ሰራሒ ሰማያትን። ዎ ጐይታይ ነቲ ኣብ'ተን መዓልታትካ ዝወረደኒ ነገራት ትርእዮ ኣሎኻ። ብእኡ በቲ መዓልቲ ጽድያ ናይ ኣስማትካን፤ በቲ ባህርያትካ ዝወግሓሉ ቦታን፡ እቲ ንምግልጋልካ ክልዓልን ንደጊታትካ ክብ ክብልን ዘኽእለኒ ክትእዝዘለይ እልምነካ። ንስኻ ብሓቂ፡ እቲ ኩሉ ዝኽእል፡ እቲ ኣዝዩ ሓያል፡ ንጸሎታት ኩሎም ሰባት ምምላሽ ዝልማዱ ኢኻ! ኣብ መወዳእታ ከኣ፣ ንጉዳያተይ ክትባርኽ፣ ካብ ዕዳይ ከተናግፈንን፡ ድልየታተይ ከተማልኣለይን፣ በቲ ብርሃን ናይ ገጽካ እልምነካ። ንሰኻ እቲ፡ ነፍሲ ወከፍ ልሳን ንሓይሉን ፡ ግዝኣቱን ዝመስከረትሉን፣ እቲ ንግርማኡን ሉኣላዊነቱን ከኣ ንነፍሲ ወከፍ እተስተውዕል ልቢ ዝኣመነትሉን ኢኻ። ብዘይካኻ ካልእ ኣምላኽ የሎን፡ ንስኻ እቲ ዝሰምዕን ንምምላሽ ድሉዊ ዝዀነን ኢኻ። ባሃኡላህ

Comments